Search   phone1-(202) 677-5880

Saturday, 30 November 2019 14:38

Invitation | ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ ዓንዲ ሕጊ ንምጽዳቅ

Written by Bayto YiAkl North America
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ሴሜን ኣሜሪካ ዝነብር ደላይ ፍጥሒ ኤርትራዊ ኣብ DC ተኣኪቡ ዋዕላ ብምግባር ባይቶ ይኣክል ሴሜን ኣሜሪካ ንኽምስርት ዘካይድክሞ ጻዕሪ ብስም ኩሉ ደላይ ፍትሕን ባይቶ ሰሜን ኣመሪካን ዳግማይ ምስጋናና እንዳገለጽና፡ ምምስራት ባይቶ ይኣክል ሴሜን ኣሜሪካ ንኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና ዓቢ ተስፋ ዝሃበ፡ ንስርዓት ህግደፍ ክኣ ራዕዲ ዘእተወሉ ፍጻሜ እዩ፡፡ ነቲ ኩነት እቲ ኣብ ምዉዳብን ምዉህሃድን ብዝተጻወትክሞ ተራ ክትኮርዑን ክትሕበኑን ከኣ ይግባእ ፡፡ እዚ ባይቶ ኣብ ሓጺር ግዜ ዕላምኡ ንኽሃርም ምስ ወከልቲ ከተማታትና ብምውህሃድ ዝከኣለና ምብርካት ንጽባሕ ዘይበሃል ናይ ኩላህና ሓላፍነት ምዃኑ ኸኣ ከነዘኻኽር ንፈቱ፡፡ 

ናብ - ኣወሃሃድቲ ኣካል (Coordinating Committee) ሰለማዊ ሰልፍን ህዝባዊ ዘተን ዋሺንግቶን ዲሲ (ግንቦት 24/25 2019) 

- ካልኦት ነቲ መደብ ኣብ ምዕዋት ኩሉ ዝከኣለኩም ዝጸዓርኩም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እትንብሩ ኤርትራውያንን፡ ዝኸበረን ዝዓዘዘን ሰላምታና ብምቕዳም፡ ኣብ መዓልታዊ ስራሕኩምን ናይ ቃልሲ ንጥፈታትኩምን ዓወትን ኣሳልጦን ንምነ ፡፡ 

ኣብ ሴሜን ኣሜሪካ ዝነብር ደላይ ፍጥሒ ኤርትራዊ ኣብ DC ተኣኪቡ ዋዕላ ብምግባር ባይቶ ይኣክል ሴሜን ኣሜሪካ ንኽምስርት ዘካይድክሞ ጻዕሪ ብስም ኩሉ ደላይ ፍትሕን ባይቶ ሰሜን ኣመሪካን ዳግማይ ምስጋናና እንዳገለጽና፡ ምምስራት ባይቶ ይኣክል ሴሜን ኣሜሪካ ንኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና ዓቢ ተስፋ ዝሃበ፡ ንስርዓት ህግደፍ ክኣ ራዕዲ ዘእተወሉ ፍጻሜ እዩ፡፡ ነቲ ኩነት እቲ ኣብ ምዉዳብን ምዉህሃድን ብዝተጻወትክሞ ተራ ክትኮርዑን ክትሕበኑን ከኣ ይግባእ ፡፡ እዚ ባይቶ ኣብ ሓጺር ግዜ ዕላምኡ ንኽሃርም ምስ ወከልቲ ከተማታትና ብምውህሃድ ዝከኣለና ምብርካት ንጽባሕ ዘይበሃል ናይ ኩላህና ሓላፍነት ምዃኑ ኸኣ ከነዘኻኽር ንፈቱ፡፡ 

ባይቶ ይኣክል ሴሜን ኣሜሪካ ዝተፈላለያ ናይ ስራሕ ክፍልታት ብምቛምን ህዝብና ሓድነቱ ኣትሪሩ ብናይ ይኣክል ስምዒት ቃልሱ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከሐይሎ ብኹሉ ዓቕሙ ይጽዕት ኣሎ ፡፡ ክሳብ ሕጂ ዝረጋገጽናዮ ሓቂ እንተድኣ ሃልዩ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና ኣብ ናይ ይኣክል ምንቅስቃስ ዓብይ ተስፋ ምግባሩን፡ ንለውጢ ቁሩብ ምህላዉን እዩ፡፡ ነቲ ጸረ ህዝቢ ስርዓት ንምእላይ ኩሉ ዝከኣሎ ንኽገብር ድማ ድሉው ኣሎ፡፡ ስለዚ ነዚ ወርቃዊ ዕድል ብቕልጡፍ ኣብ ረብሓና ኣዉዒልና ነቲ ጨቛኒ ስርዓት ጉሒፍና ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል፡ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ሓቂ ስለ ዝኾነ ፡ ሓድነትና ኣትሪርና ዓቕምና ኣወሃሂድና ክንቃለስ ግድን ይብለና ፡፡ 

ባይቶ ይኣክል ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ኣካይድዎ ዘሎ ንጥፈታት ብዑምቀት ንኽግምግምን ንጹር መደባት 

ንኽሰርዕን ከምኡ’ውን ነቲ ኹለን ከተማታት ተሰማሚዔን ነዲፈንኦ ዘለዋ ዓንዲ ሕጊ ንምጽዳቅን ኣብ ከተማ ዳላስ-ቴክሳስ ካብ ታሕሳስ 

14 ክሳብ 15, 2019 ዋዕላ ከካይድ መዲቡ ኣሎ ፡፡ እዚ ዋዕላ እዚ ነቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝኣተናዮ መብጽዓታት ዳግም ብምሕዳስ፡ እዚ ናይ ይኣክል ምንቅስቃስ ኩሉ ዓይነት ተጻብኦታት ሰጊሩ ንቅድሚት ይስጉም ከምዘሎ ሙሉእ መልእኽቲ ከመሓልልፍ እዩ ፡ ከም መቐጸልታ ናቱ ድማ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ዳላስን ከባቢኡን ዚህዝባዊ ኣኼባን ናይ ሓባር ምሸትን ክህልዎ እዩ። ንስኻትኩም እዉን ኣብዚ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ተረኺብኩም ናይ ቃልሲ ምኽርኹምን ለበዋኹምን ነዚ ባይቶ ክትልግሱሉ ብኣኽብሮት ንዕድም። 

ዋዕላ ዝግበረሉ ዕለት፡ 14ን 15 ታሕሳስ 2019 

ዋዕላ ዝግበረሉ ቦታ ፡ Dallas, Texas 

1655 N central Expressway 

Richardson, Texas 75080 

ብደሓን ምጹ 

ፈጻሚ ስራሕ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ! 

11/26/2019 

Read 115 times Last modified on Sunday, 01 December 2019 15:09
Login to post comments