Search   phone1-(202) 677-5880

Saturday, 16 November 2019 15:36

መበል 28 ናጽነት ኤርትራ

Written by ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ
Rate this item
(0 votes)

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን ንዝኽሪ መበል 28 ናጽነት ኤርትራ፡ ናይ ክልተ መዓልቲ መደብ ኣዳልዩ ከም ዝሎ ብሓጎስ ይገልጽ። እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ተመስሪተን ብዘለዋ ማሕበረኮም ኤርትራውያንን ጉጂለታትን ዝግበር ዘሎ እዩ። እዚ ንህላወ ሃገረ ኤርትራ ዘስግኡ ፍጻመታትን ክስተታትን ዝርኣየሉ እዋን ይግበር ስለ ዘሎ፡ ታሪኻዊ ፍጻመ የብሎ። ኣብ ሞንጎና ኣትዮም ክሓላልኹና ዝጸንሑ ፍልልያትና ገዲፍና፡ ናብ ዋሺንግቶን-ዲሲን ብምውሕዝ፡ ብዓውታ ይኣክል ንበል።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ
ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን
ኢመይል: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ተሌፎን: (202) 677-5880

መበል 28 ናጽነት ኤርትራ

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን ንዝኽሪ መበል 28 ናጽነት ኤርትራ፡ ናይ ክልተ መዓልቲ መደብ ኣዳልዩ ከም ዝሎ ብሓጎስ ይገልጽ። እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ተመስሪተን ብዘለዋ ማሕበረኮም ኤርትራውያንን ጉጂለታትን ዝግበር ዘሎ እዩ። እዚ ንህላወ ሃገረ ኤርትራ ዘስግኡ ፍጻመታትን ክስተታትን ዝርኣየሉ እዋን ይግበር ስለ ዘሎ፡ ታሪኻዊ ፍጻመ የብሎ። ኣብ ሞንጎና ኣትዮም ክሓላልኹና ዝጸንሑ ፍልልያትና ገዲፍና፡ ናብ ዋሺንግቶን-ዲሲን ብምውሕዝ፡ ብዓውታ ይኣክል ንበል።

እቲ መደብ፡ ዓርቢ ግንቦት 24 ናይ ንግሆ፡ ብሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ፊት ኢምባሲ ኤርትራን ክጅመር እዩ። ድሕሪኡ ናይ ድሕሪ ቐትሪን፡ ንጽብሒቱ ቀዳምን ህዝቢ ዝዝትየሉ መደብ ኣሎ። ድሕሪ ናይ ዘተ እዋን፡ ህዝቢ ንምዝንጋዕ፡ ናይ ሙዚቃ ትልሂት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝውሰን ቦት ክግበር እዩ።

ክሳብ ሎሚ ኣብዘን ዝስዕባ ከተማታት ዘለዋ ማሕበረ ኮማትን ጉጂለታትን ወከልተን ናብቲ ብሰሜን ኣሜሪካ ዘወሃህድ ዘሎ ኮሚተ ሰባት ሰዲደን ኣለዋ።

 

ቻርሎት ኣትላንታ ቬጋስ
ፊላደልፍያ ኒው ዮርክ በይ ኤርያ
ፊኒክስ ኒው ጀርሲ ሳንድያጎ
ኦታዋ ኮሎምቦስ ስያትል
ቦስቶን ሲንሰናቲ ሚነሶታ
ሃሪስበርግ ዋሺንግቶን ዲሲ ህዩስቶን
ቺካጎ ቶሮንቶ ኢንዲያናፖሊስ
ፖርትላንድ    

 

በዚ ኣጋጣሚ፡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን ንኹሎም ኤርትራውያን ነዚ መደብ ንምዕዋት ክሰርሑ ንዝደልዩ ዜጋታት ይዕድም። ኣብ ዝግበር መደባት ኣብ ምድላውን፡ ምምራሕን ክትዋስኡ ትደልዩ ኣካላት፡ ብስልኪ ቁጽሪ ወይ ኢመይል ክትረኽቡና ብትሕትና ንሓትት።



ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ
ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን
መጋቢት 19, 2019

Read 9 times Last modified on Wednesday, 27 November 2019 20:27
More in this category: « Successful Yiakl Festival 2019
Login to post comments